ኣብዚ ሚድያ ኣብ ሽወደን እንታይ ተራ ከም ዘለዎን ስለምንታይ ናጻ ክኸውን ከም ዘለዎን ተንብብ። ሚድያ ብኸመይ ገንዘብ ከም ዝረክብን ሓበሬታ ብኸመይ ከተረጋግጽ ከም ትኽእልን እውን ክትፈልጥ ኢኻ።
ናጻ ሚድያ
ሚድያ ንኣብነት ሬድዮ፣ ተለቪዥን፣ ፊልምን ጋዜጣን እዩ፣ ግናኸ ኢንተርነትን ማሕበራዊ ሚድያን እውን የጠቓልል። ብመገዲ ሚድያ ዜናን ፍልጠትን ሓበሬታን ንረክብ። እቲ እንፈልጦ ንኹላትና ይጸልወና።
ናጻ ሚድያ ካብ ደሞክራሲ ሽወደን ሓደ ክፋል እዩ። ኩሎም እንታይ ከም ዝሓስቡ ክዛረቡን ርእይቶኦም ከዘርግሑን ይኽእሉ። እቲ መሰል ብ2 grundlagar (መሰረታዊ ሕግታት) ይከላኸል፦ tryckfrihetsförordningen (ሕጊ ናጽነት ፕረስ) ን yttrandefrihetsgrundlagen (መሰረታዊ ሕጊ ናጽነት ሓሳብ ምግላጽ) ን። staten ሚድያ እንታይ ክዛረብ ከም ዘለዎ ክቆጻጸር ኣይክእልን፣ censur (ቁጽጽር ሓበሬታ) እውን የልቦን። censur ማለት staten ነቲ ሚድያ ከዘርግሖ ዝደሊ ነገር ትቆጻጸርን ተብርህን ማለት እዩ።
ሚድያ ብዙሕ ዕማማት ኣለዎ። ብዛዕባ እንታይ ከም ዝፍጸም ይሕብረና። ኣብ ሚድያ ብዛዕባ ጉዳያት ሕብረተሰብ ብናጻ ምክትዓት እውን ይከኣል። ብተወሳኺ ሚድያ መዘናግዕን ተዘናግዒትን ይህበና።
ስልጣን ምክትታል
ሓደ ኣገዳሲ ዕማም ጋዜጠኛታት ንስልጣን ምክትታል እዩ። ምክትታል ማለት ብጥንቃቐ ምጽራይ ማለት እዩ። ፖለቲከኛታትን ካልኦት ስልጣን ዘለዎም ሰባትን እንታይ ከም ዝገብሩ ይምርምሩ።
ጋዜጠኛታት ብ offentlighetsprincipen (መትከል ግሉጽነት) ይሕገዙ። እቲ መትከል ንallmänna handlingar (ህዝባዊ ሰነዳት) ናይ myndigheter (ትካላት መንግስቲ) ይምልከት፣ ማለት ዝተፈላለየ ዓይነት ሰነዳት። እዞም ሰነዳት ህዝባዊ እዮም። እዚ ማለት ኩሎም፣ ጋዜጠኛታት ጥራይ ዘይኮኑ፣ ከንብብዎም ይኽእሉ ማለት እዩ። ገሊኦም ሰነዳት ግና ብምስጢር ዝተታሕዙ እዮም፣ ኣብኡ ድማ sekretess (ምስጢራውነት) ይምልከት።
ሓደ ጋዜጠኛ ንኣብነት ካብ ሓንቲ myndighet ኢመይል ከንብብ ክሓትት ይኽእል። ኣብቲ ጊዜ ጋዜጠኛ ሓደ ውሳነ ብኸመይ ከም እተወስደ ክርኢ ይኽእል።
ደገፍን ውሕስነትን ንምንጭታት
ብዙሕ ዝተፈላለየ ናይ ዜና ሚድያ ክህሉ ኣለዎ፣ ውሑዳት ጥራይ ዘይኮነ። እዚ mångfald (ብዙሕነት) ይበሃል። ስለዚ ናይ ዕለት ጋዜጣታትን ካልእ ናይ ዜና ሚድያን ካብ staten ገንዘብ ክረኽባ ይኽእላ።
ኩሎም ንሓንቲ ጋዜጣ ወይ ንሬድዮን ተለቪዥንን ሓበሬታ ክህቡ ይኽእሉ። ልሙድ ብኡ ምኽንያት መቕጻዕቲ ኣይረኽቡን። እቲ መሰል meddelarfrihet (ናጽነት ሓበሬታ ምሃብ) ይበሃል። ነቲ ሓበሬታ ዝህብ ሰብ källa (ምንጪ) ይበሃል። ምንጪ ስሙ ብምስጢር ብምሓዝ anonym (ስም ዘይተገልጸ) ክኸውን ይኽእል።
ሓላፍነት ትሕዝቶ
ኣብ ጋዜጣታትን ሬድዮን ተለቪዥንን ansvarig utgivare (ሓላፍ ኣሕታሚ) ኣሎ። እቲ ሰብ ብመሰረት ሕጊ ንኹሉ ዝሕተም፣ ማለት ንህዝቢ ዝቐርብ ነገር፣ ሓላፍነት ኣለዎ። እቲ ኣሕታሚ ንሕግታት förtal (ምጽራፍ) ን ክብረት ምጉዳእን ዝጻረር ነገር ከምዘየለ ከረጋግጽ ኣለዎ። förtal ማለት ንኻልእ ሰብ ኣብ ትሕቲ ካልኦት ከውድቕ ዝኽእል ሓበሬታ ምዝርጋሕ እዩ።
ጋዜጠኛታት ዝነግርዎ ነገር ልክዕ ምዃኑ እውን ክርግጽ ኣለዎም። ምስ ብዙሓት ናጻ ካብ ሓድሕዶም ዝኾኑ ምንጭታት ከወዳድሩ ኣለዎም። ብተወሳኺ እቶም ምንጭታት ክሙኦት ምዃኖም ከረጋግጹ ኣለዎም።
ንግዳዊ ሚድያ
ኣብ ሽወደን ካብ ኣዝዮም ብዙሓት ጋዜጣታትን መጽሔታትን ክትመርጽ ትኽእል። ገለ ሚድያ kommersiella medier (ንግዳዊ ሚድያ) ይበሃል። ብምልክታ ወይ ብክፍሊት ዓማዊል ገንዘብ ይረኽባ። ብዙሓት ናይ ሬድዮን ተለቪዥንን ጣብያታት ንግዳውያን ኮይነን ንትካላት ምልክታ ይሸጣ። ገለ ናይ ተለቪዥን ጣብያታት ብምኽፋል ጥራይ ክትርእየን ትኽእል።
ብተደጋጋሚ ብምልክታ ዝካየዳ ሚድያ ብናይ ብሕቲ ትካላት እየን ዝምርሓ። እዚ ንኣብነት ናይ ዕለት ጋዜጣታትን ናይ ምሸት ጋዜጣታትን ይምልከት። ገሊኤን ከባቢያዊ እየን፣ ካልኦት ኣብ ብምሉኡ ሽወደን ይርከባ። ንገለ ጋዜጣታት ክትምዝገብ (ክትፍርም) ትኽእል፣ ማለት ብስሩዕ ንኽትረኽበን ክትከፍል ማለት እዩ። ካልኦት ጋዜጣታት ከይተመዝገብካ ኩሉ መዓልቲ ክትገዝአን ትኽእል።
ሎሚ ግዜ መብዛሕትአን ጋዜጣታት ኣብ ኢንተርነት እውን ከተንብበን ትኽእል። ኣብኡ ዜናታት ብተደጋጋሚ ኣብ መዓልቲ ይሕተማ።
public service (ህዝባዊ ኣገልግሎት ስርጭት)
Sveriges Television (SVT)፣ Sveriges Radio (SR) ከምኡ'ውን Utbildningsradion (UR) ፍሉይ ተልእኾ ኣለወን። እዘን 3 ትካላት ብሓባር public service ይበሃላ። እቲ ዝቐርብ መደባት ገፊሕ ክኸውን ኣለዎ። ኣብኡ ካብ ዜናን ስፖርትን ክሳብ ተዘናግዒትን ባህልን ኩሉ ይርከብ።
ኣይፖለቲከኛታት ኣይካልኦት ጉጅለታት ነዘን ትካላት ክቆጻጸርወን ኣይክእሉን። ስለዚ ናጻ ክኾና ኣለወን። ከምኡ'ውን ግዱሳት ክኾና፣ ጎድኒ ከይሓዛ ኣለወን። ብዛዕባ ሕብረተሰብ ኣብ ዝገልጻሉ ግዜ፣ ዝተፈላለየ ርእይቶ ክስማዕ ኣለዎ።
ኣብ ጣብያታተን ምልክታ ኣይፍቀድን። ገንዘበን ኣብ ክንዲኡ ካብ ብቀረጽ ዝኽፈል ክፍሊት ይመጽእ። ሓሳቡ ኩሎም saklig (ብሓቂ ዝተመስረተ) ሓበሬታ ክረኽቡ ምኽኣል እዩ። saklig ማለት ኣብ ሓቅታት ዝተመስረተ ማለት እዩ። ኣበይ ናይታ ሃገር ትቕመጥ ወይ ክንደይ ትሃብትም ገለ ፍልልይ ክገብር የብሉን።
ማሕበራዊ ሚድያን ምንጪ ምንቃፍን
ኣብ ማሕበራዊ ሚድያን ኣብ ወብ ሳይትን ዝኾነ ሰብ ጽሑፋት፣ ስእልታትን ፊልምታትን ክልጥፍ ይኽእል። ከምቲ ኣብ ጋዜጣታትን ሬድዮን ተለቪዥንን ዘሎ ዓይነት ቁጽጽር ኣይትግበርን።
መጻሕፍቲ፣ ጋዜጣታት፣ ተለቪዥን፣ ሬድዮ፣ ናይ ወብ ሳይትን ማሕበራዊ ሚድያን ኣብነታት ምንጪ እዮም። ገሊኡ ዝሕተም ነገር ግና ጌጋ እዩ። ናይ ሓሶት ሓበሬታ ኣብ ሓጺር ግዜ ናብ ብዙሓት ክዝርጋሕ ይኽእል። ኣብቲ ጊዜ ድማ ሰባት እንታይ ከም ዝሓስቡ ክጸሉ ይኽእል።
ስለዚ källkritik (ምንጪ ምንቃፍ) የድሊ። እዚ ማለት ብቐጥታ ኩሉ ኣይትኣምንን ማለት እዩ። ሕቶታት ተልዕልን እታ ሓበሬታ ልክዕ ምዃና ተረጋግጽን። እዚ ንኹሉ እትንብቦ፣ እትርእዮን እትሰምዖን ይምልከት።