እዚ ምዕራፍ እዚ ራህዋ ኣብ ሽወደን ከመይ ገይራ ከም እትሰርሕ የርኢ። ብከመይ ከም እትኽፈል፡ ከምኡ’ውን መንግስቲ፡ regionerna (ዞባታት) ከምኡ’ውን kommunerna (ናይ ከባቢ ምምሕዳራት) እንታይ ሓላፍነት ከም ዘለዎም ክትፈልጥ ኢኻ።
ራህዋ እንታይ እያ?
ሽወደን ሕብረተሰብ ራህዋ እያ። ኩሎም ኣብዚ ዝነብሩ፡ ኣብ ቁጠባን ማሕበራዊ ህይወትን መሰረታዊ ውሕስነት ክህልዎም ኣለዎ። ኩሎም ክንክን ጥዕናን ትምህርትን ክረኽቡ ክኽእሉ ኣለዎም። እቲ ዝሓመመ ወይ ስራሑ ዝሰኣነ ሰብ፡ ንመነባብሮኡ ዝኸውን ገንዘብ ክረክብ ክኽእል ኣለዎ።
መንግስቲ፡ regionerna (ዞባታት) ከምኡ’ውን kommunerna (ናይ ከባቢ ምምሕዳራት) ብሓባር ህዝባዊ ዓውዲ ይበሃሉ። ጽቡቕ ራህዋ ንምሃብ፡ እኹል ገንዘብ የድልዮም። ቀረጽቲ ንዓቢ ክፋል ናይቲ ገንዘብ ይሽፍኑ። ብቀረጽቲ ኢና ብሓባር ንኣብነት ንመገድታት፡ ቤት ትምህርትታትን ክንክን ጥዕናን ንኸፍል።
ቀረጽቲ ከምዚ ገይሮም ይሰርሑ
ክልቲኦም ዝሰርሑ ሰባትን ትካላትን ቀረጽ ይኸፍሉ። ብዙሕ ስራሕን ብዙሕ ንግድን ስለዝኾነ ንራህዋ ዝያዳ ገንዘብ ይህብ። ብሕታውያን ትካላት እውን ክፋላት ናይታ ራህዋ ከካይዱ ይኽእሉ። እቲ ገንዘብ ግን ካብ ቀረጽቲ እዩ ዝመጽእ።
እቲ ተቖጻሪ inkomstskatt (ቀረጽ ኣታዊ) ይኸፍል። እቲ ቀረጽ ካብ ደሞዝ ተሃሪሙ ንመንግስቲ፡ ንregionen ከምኡ’ውን ንkommunen ይኸይድ። እቲ ኣቕሑትን ኣገልግሎትን ዝዕድግ ሰብ ድማ moms (ግብሪ ወሰኽ ዋጋ) ይኸፍል።
ተቆጸርቲ ዘለውዎ ሰብ ብተወሳኺ arbetsgivaravgifter (ክፍሊታት ኣስራሒ) ይኸፍል። እዚ ካብ ደሞዝ ወጻኢ ንመንግስቲ ዝኽፈል ክፍሊት እዩ። መንግስቲ ነቲ ገንዘብ ካብ ካልእ ንpensioner (ጡረታታት) ከምኡ’ውን ንውሕስነት ሕማም ይጥቀመሉ።
እዚ እዩ መንግስቲ ዝኸፍሎ
መንግስቲ ንpensioner (ጡረታታት) ይኸፍል፡ ማለት ነቲ ዝኣረገን ስራሑ ዘቋረጸን ሰብ ገንዘብ ይኸፍል። እቲ ካብ መንግስቲ ዝርከብ ጡረታ allmän pension (ሓፈሻዊ ጡረታ) ይበሃል። መንግስቲ ንውሕስነት ሕማም እውን ይኸፍል። እዚ ንምስራሕ ኣዝዩ ንዝሓመመ ሰብ sjukpenning (ሓገዝ ገንዘብ ሕማም) ክህብ ይኽእል።
መንግስቲ ብተወሳኺ ንföräldraförsäkringen (ውሕስነት ወለዲ)፡ arbetslöshetsförsäkringen (ውሕስነት ስራሕ ኣልቦነት)፡ studiestöd (ደገፍ መጽናዕቲ) ከምኡ’ውን barnbidrag (ሓገዝ ገንዘብ ውላድ) ይኸፍል። Föräldraförsäkringen ምስ ውላድካ ኣብ ገዛ ክትህሉ ከለኻ föräldrapenning (ደሞዝ ወለዲ) ይህብ። Arbetslöshetsförsäkringen ንስራሕ ዝሰኣነ ሰብ ገንዘብ ክህብ ይኽእል። Studiestöd፡ ንኣብነት studiemedel (ደገፍ ገንዘብ መጽናዕቲ)፡ ንተምሃራይ ዝወሃብ ገንዘብ እዩ። ስድራቤታት ስለ ደቆም barnbidrag ይረኽባ።
ላዕለዋይ ትምህርትን ምርምርን ኣብ ዩኒቨርስቲታትን ካልኦት ላዕለዎት ትካላት ትምህርትን እውን ብመንግስቲ ይኽፈል። ላዕለዋይ ትምህርቲ ማለት ድሕሪ gymnasiet (ካልኣይ ደረጃ ትምህርቲ) ዝካየድ መጽናዕቲ እዩ።
Regionerna ከምኡ’ውን ክንክን ጥዕና
ሽወደን ናብ 21 regioner (ዞባታት) ተመቒላ ኣላ። ነበርቲ ነፍሲ ወከፍ region ንregionen ቀረጽ ይኸፍሉ። Regionerna ኩሎም ክንክን ጥዕና ክረኽቡ ከረጋግጻ ኣለወን። ንሆስፒታላትን vårdcentraler (ማእከላት ክንክን ጥዕና ቀረባ) የካይዳ፡ ንዋጋአን እውን ይኸፍላ።
መብዛሕትኡ ክንክን ጥዕና ብህዝባዊ ዓውዲ፡ ማለት ብባዕለን regionerna፡ ይካየድ። ንእሽቶ ክፋል ድማ ብብሕታውያን ኣወሃህብቲ ክንክን ይካየድ። እቲ ክንክን'ውን ብገንዘብ ቀረጽቲ እዩ ዝኽፈል።
Primärvård (ቀዳማይ ክንክን) ማለት እቲ ልሙድ ብቐዳምነት እትደልዮ ክንክን እዩ፡ ንኣብነት ኣብ ሓንቲ vårdcentral። mödravårdscentraler (ማእከላት ክንክን ጥንስቲ) ከምኡ’ውን barnavårdscentraler (ማእከላት ክንክን ንኣሽቱ ቆልዑ) እውን ናብ primärvård ይምደባ። ስርሓት መጥባሕትን ካልእ ደረጃ ዝለዓለ ሕክምናን ኣብ ሆስፒታላት ይካየድ፡ ንኣብነት ሆስፒታላት ህጹጽ ረድኤት፡ ሆስፒታላት län (ኣውራጃ) ከምኡ’ውን ሆስፒታላት ዩኒቨርስቲ። Regionerna ብተወሳኺ psykiatrisk vård (ክንክን ኣብ ግዜ ሕማም ኣእምሮ)፡ rehabilitering (ልምምድ ድሕሪ ሕማም ወይ ማህሰይቲ) ከምኡ’ውን ክንክን ስኒ ኣለወን።
ሓላፍነት Kommunerna
ነፍሲ ወከፍ kommun ንkommunen ክንደይ ዝኸበረ ቀረጽ ክኸፍል ከም ዘለዋ ባዕላ ትውስን። Kommunen ድማ እቲ ገንዘብ ብኸመይ ከም ዝጥቀመሉ ትመርጽ። ቤት ትምህርትታትን ትምህርትን ሓላፍነት kommunen እዩ። ብጽሩያትን ሕሙማትን ኣብ ናይ ዕለት ናብራኦም ደገፍ ዘድልዮም ድማ ካብ kommunen ሓገዝ ክረኽቡ ኣለዎም።
Kommunen ሓላፍነት barnomsorg (ክንክን ቆልዑ) ኣለዋ፦ förskola (ቅድመ ትምህርቲ ቤት) ንንኣሽቱ ቆልዑን fritidshem (ገዛ ግዜ ትርፊ) ንደቂ ቤት ትምህርቲ ቅድሚ ትምህርትን ድሕሪ ትምህርትን። Grundskolan (መባእታዊ ቤት ትምህርቲ) ካብ 6 ክሳብ 16 ዓመት ንዝዕድሚኦም ቆልዑ ኮይኑ፡ ኣብ ኩለን kommuner ይርከብ። Kommunerna ብተወሳኺ gymnasieskolor (ካልኣይ ደረጃ ቤት ትምህርትታት) ከምኡ’ውን komvux (kommunal vuxenutbildning፡ ትምህርቲ ዓበይቲ ናይ kommun) ንዓበይቲ ኣለወን።
ብዙሓት ብጽሩያት ኣብ ምጽራይ፡ ምዕዳግ ምግቢ፡ ምሕጻብ፡ ንግድን ጽሬት ኣካላቶምን ሓገዝ የድልዮም። ደገፍ kommunen ንብጽሩያት äldreomsorg (ክንክን ብጽሩያት) ይበሃል። ሕጊ kommunen ንኸተቕርቦ ይሓትት። ብሰንኪ ክንክንን ኣገልግሎትን ኣብ ገዛ፡ ብዙሓት ብጽሩያት ኣብኡ ክቕጽሉ ይኽእሉ። ነቲ ኣብ ገዛ ክቕጽል ዘይክእል ድማ äldreboenden (መንበሪ ኣባይቲ ብጽሩያት) ኣሎ።
Socialtjänsten (ኣገልግሎት ማሕበራዊ ጉዳያት)
ኩለን kommuner ሓንቲ socialtjänst ኣለወን። ንሳ ድማ ንዘድልዮም ሰባት ደገፍን ውሕስነትን ክትህብ ኣለዋ። ንኣብነት ምኽሪ፡ ክንክን፡ ሕክምና፡ ኣገልግሎት፡ ገንዘብ ወይ ካልእ ሓገዝ ክትረክብ ትኽእል።
Socialtjänsten ንስድራቤታት ውሑድ ገንዘብ ዘለወን ክትሕግዝ ትኽእል። ብተወሳኺ ንhemlösa (ገዛ ኣልቦታት)፡ ማለት ዝኾነ ይኹን መንበሪ ገዛ ዘይብሎም ሰባት፡ ክትሕግዝ ትኽእል። ደገፍ ኣብ ግዜ missbruk (ተግባር ገሃስ)፡ ንኣብነት ናይ ኣልኮል ወይ ዕጸይቲ፡ እውን ኣሎ። ተመሳሳሊ ነገር ነቲ ስግኣት ወይ ዓመጻ ዘጋጠሞ ይምልከት። እዚ ንኣብነት ዓመጻ ኣብ ቀረባ ርክባት (ካብ ብጻይ ወይ ካብ ኣባል ስድራቤት) ክኸውን ይኽእል።
ሰባት ምስ funktionsnedsättning (ስንክልና) እውን ካብ socialtjänsten ደገፍ ክረኽቡ ይኽእሉ። Funktionsnedsättning ክርኢ፡ ክሰምዕ፡ ክንቀሳቐስ ወይ ክመሃር ምጽጋም ክትርጉም ይኽእል። ብተወሳኺ ስራሕ ወይ መጽናዕቲ ንኽትጅምር ምኽርን ሓገዝን ክትረክብ ትኽእል።
መን እንታይ ይገብር?
ሓላፍነት ራህዋ ማለት ኣብ መንጎ መንግስቲ፡ regionerna ከምኡ’ውን kommunerna ዝተመቕለ እዩ። መንግስቲ ንኣብነት pensioner ከምኡ’ውን barnbidrag ይኸፍል። Regionerna ንክንክን ጥዕና ሓላፍነት ኣለወን። Kommunerna ካብ ካልእ ብተወሳኺ ቤት ትምህርቲ፡ äldreomsorg ከምኡ’ውን socialtjänsten የካይዳ። ሸቶ ድማ ኩሉ ሰብ፡ ብዘየገድስ ዕድመኡን ኩነታት ናብራኡን፡ ውሑስ ክስምዖ እዩ።